Victoria government logo
coronavirus.vic.gov.au

ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19 vaccine) - ትግርኛ (Tigrinya)

ብዛዕባ ኮቪድ-19 ክታበታት ዝገልጽ ሓበሬታ

ኣስተርጓሚ እንተ ደሊኻ ብ131 450 ናብ ኣገልግሎት ምትርጓምን ምስትርጓምን ደውል።

ስለምንታይ ኢዩ ክትክተብ ዘሎካ?

ክታበታት ሰባት ብኮቪድ-19 ብኸቢድ ንከይሓምሙ ኣብ ምክልኻል ድሕንነትን ዘለዎምን ውጽኢታውን ኢዩም። ካብቲ ቫይረስ ዝበለጸ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ንኽትረከብ ንምርግጋጽ ብዛዕባ ክታበታት ዘሎካ ፍልጠት እዋናዊ ክኸውን አገዳሲ እዩ።

ብኸመይ ክትክተብ እትኽእል

ክታበታት አብዞም ዝስዕቡ አለዉ፦

ሕዱር ሕማማታት እንተ ሃልዩካ ወይ ክንደይ ዓቐን ክታበት ከም ዘድልየካ ርግጸኛ እንተ ዘይኴይንካ ምስ ሓኪም (GP) ክትዘራረብ ኣሎካ።

ክታበታት ናጻ ስለ ዝዀነ ንኽትክተብ ናይ ሜዲኬር ካርድ ኣየድልየካን እዩ።

መን ክኽተብ ይኽእል

ደቂ 5 ዓመትን ካብኡ ንላዕልን ዝዀኑ ዅሎም ሰባት ንክኽተቡ ብቑዓት እዮም። ገለ ካብቶም ካብ 6 ወርሒ ክሳዕ ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑ ከምዚ ዝስዕብ ኹነታት እንተድኣ ሃልይዎም ንክኽተቡ ብቑዓት ኢዮም፦

  • ስርዓተ ምክልኻል ሕማሞም ዝተበላሸወ እንተ ኾይኑ
  • ጉድኣት ኣካል እንተ ሃልይዎም
  • ዝተፈላለየ ናይ ጥዕና ዅነታት እንተ ሃልይዎም።

ናይ ኦሚክሮን (Omicron) ዓይነት ቫይረሳት ዘጥቅዕ ሓድሽ ባይቫለንት ክታበት ንዅሎም ደቂ 18 ዓመትን ካብኡ ንላዕሊ ንዘለዉን ከም መጠናኸሪ ዓቐን ዀይኑ ተዳሊዩ ኣሎ።

ክንደይ ዓቐን ክታበትን አየናይ ክታበት ንዓኻን ንውሉድካን ከም ዝተኣዘዘልኩም ነምፍላጥ ንሓኪም (GP) አዘራርብ። ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ኣብ ተኸተብExternal Link ዝብል ረአ።

ድሕሪ ምኽታብካ

አብታ መርፍእ ዝተወጋእካላ ቃንዛ፣ ድኻም፣ ናይ ጭዋዳ ቃንዛ፣ ረስኒ ወይ ቍሪ ቍሪ ምባል ከምኡውን ኣብ መላግቦኻ ቓንዛ ዝኣመሰሉ ጎድናዊ ሳዕቤናት ክህልወካ ይኽእል ኢዩ። ጎድናዊ ሳዕቤናት ንቡራት ኢዮም፤ እቲ ክታበት ስርሁ ይሰርሕ ከም ዘሎ ዝሕብር ምልክት ድማ ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ፈኲስ ስለ ዝዀኑ ድሕሪ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ይለግሱ እዮም።

ጐዳኢ ጎናዊ ሳዕቤናት ሓልሓሊፉ/ሳሕቲ ዘጋጥም እዩ። እንተ ኣሻቒሉካ ወይ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ገለ አቶም ጎናዊ ጐዳኢ ሳዕቤናት እንተ ዘይጠፊኦም ምስ ሓኪምካ ተራኸብ።

ብዛዕባ ናይ ኮቪድ-19 ኽታበታት

ኵሉ ኽታበታት ኣብ ኣውስትራልያ ቕድሚ ምጥቃሙ ነቲ ናይ ምምሕዳር ሕክምናዊ ኣቕሑ ኣውስትራልያ (Australian Therapeutic Goods Administration)External Link ዘውጽኦ ጽኑዕ ናይ ድሕንነት መዐቀኒታት ከማልእ ኣለዎ። ብቑዓት ሰብ ሞያ ጥዕና እዮም ኣብ ግብሪ ዘውዕልዎ።

ኣብ ኣውስትራልያ፣ ኣብ ጥቕሚ ንኽውዕሉ ተቐባልነት ዝረኸቡ 4 ኽታበታት አለዉ፦

  • ፋይዘር (Pfizer)
  • ሞደርና (Moderna)
  • ኖቫቫክስ (Novavax)
  • ኣስትራዘኒካ (AstraZeneca)

ሰባት ኣብ ዕድመኦምን ዘለዎም ናይ ሕማም ኹነታትን ተመርኲሱ ዝተፈላለየ ኽታበታት ክወሃቦም ይኽእል ኢዩ። ኣየናይ ክታበት ንዓኻ ከም ዝሓይሽ ንምፍላጥ ምስ ሓኪም (GP) ተዘራረብ።

ዝያዳ ሓበሬታ

ነቲ ናይ ክታበት ክሊኒክ መድለዪExternal Link ብምጥቃም ንዝቕጽል ዓቐን ክታበት ኣብ እንዳ ሓኪም (GP) ወይ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዝርከብ ፋርማሲ ቆጸሮ ሓዝ። ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ብ1800 020 080 ናብ ብሄራዊ ናይ ኮሮናቫይስ ናይ ሓገዝ መስመር (ሀልፕላይን) ደውል።

Reviewed 09 December 2022

Coronavirus Hotline

Call the Coronavirus Hotline if you have any questions about COVID-19.

The Victorian Coronavirus Hotline diverts to the National Coronavirus Helpline every night between 4pm and 9am.

Please keep Triple Zero (000) for emergencies only.

Was this page helpful?