Victoria government logo
coronavirus.vic.gov.au

ናይ ሕክምና ምኽሪን ቀይድታትን (Health advice and restrictions) - ትግርኛ (Tigrinya)

ኮቪድ-19 ንምቍጽጻርን ንምክልኻልን ዝወሃብ ምኽሪ።

ኣስተርጓሚ እንተ ደሊኻ ብ131 450 ናብ ኣገልግሎት ምትርጓምን ምስትርጓምን ደውል።

ንርእስኻን ንኻልኦትን ካብ ኮቪድ-19 ተኸላኸል

ኮቪድ-19 ሎሚ እውን ኣብ ማሕበረሰብ ይኾልል ኣሎ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ ንገሊኦም ሰባት ብጣዕሚ ክሕሞም ይኽእል እዩ። ንርእስኻ ምክልኻል ንኻልኦት ክትከላኸለሉ እትኽእል ዝበለጸ መገዲ እዩ። ኮቪድ እንተ ዘይሒዙካ ኮቪድ ክተመሓላልፍ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ተመርመር

እዞም ዝስዕቡ ምልክታት እንተርኢኻ፤ ኣብ ገዛኻ ፅናሕ፥ ቅልጡፍ አንቲጅን መርመራውን (RAT) ግበር፦

  • ከም ናይ ኣፍንጫ ፀረርታ፣ ጐረሮ ምቍሳል፣ ምስዓል፣ ረስኒ ወይ ቍሪ ዝኣመሰለ ምልክታት እንተ ሃሊዩካ።
  • ምስ ሓደ ኮቪድ-19 ዘለዎ ሰብ ርክብ ዘለካ እንተ ኾይኑ።

ናይ መርመራ ውጽኢትካ የብሉን (ነጋቲቭ) ዝብል እንተ ዀይኑ፣ ኣብ ዝቕጽል ሒደት መዓልትታት ናይ ቅልጡፍ ኣንቲጅን መርመራ ኽትገብር ኣሎካ፣ ምልክታት ሕማምካ ክሳዕ ዝጠፍእ ድማ ኣብ ገዛኻ ኽትጸንሕ ኣሎካ።

ብቕልጡፍ ኣንቲጂን መመርመሪ ተጠቒምካ ኣለዎ (ፖዘቲቭ) ዝብል ናይ መርመራ ውጽኢት እንተ ረኺብካ ናይ ውጽኢትካ ጸብጻብ ናብ ክፍሊ ጥዕና ክትህብ ኣሎካ። ብኦንላይንExternal Link ወይ ብ1800 675 398 ብምድዋል ናይቲ ውጽኢት ጸብጻብ ክትህብ ትኽእል ኢኻ። ናይ ውጽኢትካ ጸብጻብ እንተ ደኣ ሂብካ፣ ናጻ ናይ ሕክምና ኽንክንን ናይ ኮቪድ መድሃኒትን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ብኮቪድ-19 ብጣዕሚ ክትሓምም እንተ ዄይንካ ናይ ፒሲኣር (PCR) መርመራ ንምግባር ንሓኪም (GP) ሕተት። ብናይ ፒሲኣር (PCR) መርመራ ኣለዎ (ፖዘቲቭ) ዝብል ውጽኢት እንተረኺብካ ናይ ውጽኢትካ ጸብጻብ ክትህብ ኣየድልየካን።

ኣብ ናይ ኮቪድ-19 መርመራ ግበርExternal Link ዝብል ዝያዳ ሓበሬታ ርኸብ።

ጥዕናኻ ተኸናኸን

ንኮቪድ-19 ኣለዎ (ፖዘቲቭ) ዝብል ናይ ኮቪድ-19 ናይ ውጽኢት መርመራ እንተ ረኺብካ ከተዕርፍን ምስ ሓኪም (GP) ኽትዘራረብን ኣሎካ። መብዛሕቲኦም ሰባት ፈኲስ ምልክታት ስለ ዘለዎም ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክሓውዩ ይኽእሉ እዮም። ከምዚ ዝስዕብ ክትገብር ኣሎካ፦

  • እንተ ወሓደ ን5 መዓልቲታት ኣብ ገዛኻ ጽናሕ። ናብ ስራሕ ወይ ናብ ቤት ትምህርቲ ኣይትኺድ። ካብ ሆስፒታላትን፣ ካብ መሳለጥያታት መከናኸኒ ኣረጋውያንን፣ ኣገልግሎት ጉዱኣት አካልን ርሓቕ።
  • ሃንደበታዊ ኵነታት ስለዘጋጠመካ ካብ ገዛኻ ክትወጽእ እንተ ደሊኻ ማስኬራ ግበር። እቲ ዝበለጸ ማስኬራ ናይ መጥባሕቲ ወይ N95 ማስኬራ ኢዩ።
  • ነቶም ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዝረኣኻዮም ሰባት ወይ ዝኸድካዮም ቦታታት ኮቪድ ከም ዘሎካ ንገሮም።

ምልክታት ሕማምካ እናገደደ እንተ ኸይዱ፣ ምስ ሓደ ሓኪም (GP) ተዘራረብ ወይ ናብ ናይ ሓኪም (GP) ናይ መተንፈሲ ኣካላት ክሊኒክ (GP Respiratory Clinic)External Link ክተዘራርብ ኣለካ።

1800 020 080 ናብ ብሄራዊ ናይ ኮሮናቫይስ ናይ ሓገዝ መስመር (ሄልፕላይን)External Link ክትድውል'ውን ትኽእል ኢኻ።

ምስ ሓኪም (GP) ክትዘራረብ እንተ ዘይክኢልካ ብህጹጽ ክንክን ምእንቲ ኽትረክብ ናብ ናይ ቪክቶሪያ ናብ ክፍሊ ናይ ርሕቐት ህጹጽ ክንክን (Virtual Emergency Department)External Link ደውል።

ኣብ ሃንደበታዊ ህጹጽ ኵነታታት ሰሉስ ዜሮ (000) ኢልካ ደውል።

ክሳዕ 10 መዓልቲ ሕማም ናይ ምትሕልላፍ ተኽእሎ ኣለካ። ጸረርታ ኣፍንጫ፣ ዝቆሰለ ጐረሮ፣ ሰዓል፣ ረስኒ፣ ቁሪ ቁሪ ምባል፣ ምርሃጽ ወይ ሕጽረት ምትንፋስ እንተ ሃልዩካ ካብ ገዛኻ ኣይትውጻእ። ርግጸኛ እንተ ዘይዄይንካ ቅልጡፍ ናይ ኣንቲጅን መመርመሪ ተጠቐም ወይ ምስ ሓኪም (GP) ተዘራረብ።

ደገፍ

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፦

ምስ ሓደ ሰብ ንምዝርራብ፦

ብዛዕባ መድሃኒት ኮቪድ ሕተት

ናይ ኮቪድ መድሃኒታት ህይወት ሰባት የድሕን፣ ሰባት ድማ ብኮቪድ-19 ብኸቢድ ንኸይሓምሙ ይዓግት እዩ። ብዝተኽኣለ መጠን ቀልጢፍካ ክውሰዱ ኣለዎም፣ ምስ ሓመምካ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ዝያዳ ይሰርሑ።

ናይ ኮቪድ መድሃኒት ክትረክብ ትኽእል ምዃንካን ዘይምዃንካን ንምፍላጥ ነዘን ሕቶታት እዚኣንExternal Link መልሲ ሃበለን። ብቑዕ ከም ዝዀንካ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ ምስ ሓደ ሓኪም (GP) ተዘራረብ። ብቑዓት ሰባት ቀልጢፎም ሕክምና ከም ዝረኽቡ ንምግባር ሓደ ሓኪም (GP) ክሕግዝ ይኽእል እዩ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ኣብ ኣንቲቫይራላትን ካልእ መድሃኒታትንExternal Link ዝብል ረአ።

ማስኬራ ግበር

ማስኬራታት ብኮቪድ-19 ንኸይትታሓዝን ንኸይተመሓላልፍን ክገብር ይኽእል እዩ። ማስኬራታት ጽቡቕ ጽርየት ዘለዎምን ኣብ ገጽ ኣዚዩ ዝገጥሙን ክኾኑ ኣለዎም። N95 ከምኡውን P2 ማስኬራ (መተንፈሲ መሳርሕ) ዝያዳ ናይ ምክልኻል ተኽእሎ ኣለዎም።

አብዞም ዝሰዕቡ ኩነታት፣ ማስኬራ ክትገብር ኣሎካ፦

  • ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ፣ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ቦታ፣ ከምኡውን ኣብ ደገ ብሰባት ኣብ ዝተጨቓጨቐሉ ቦታ።
  • ኮቪድ-19 እንተ ሃልዩካ እሞ ካብ ገዛኻ ክትወጽእ ግድን እንተ ኾይኑ
  • ንስኻ ባዕልኻ ወይ ሓደ ምሳኻ ዘሎ ሰብ ኣብ ከቢድ ናይ ምሕማም ስግኣት እንተ ዄይኑ።

ክሓንቆምን ክዕፍኖምን ስለዝኽእል፣ ደቂ 2 ዓመት ወይ ካብኡ ንታሕቲ ዝዕድሚኦም ቈልዑ ማስኬራ ኽገብሩ የብሎምን።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ናይ ገጽ ማስኬራታትExternal Link ዝብል ርአ።

ቀጻሊ ዓቐን ክታበት ውሰድ

ንገዛእ ርእስኻን ንስድራቤትካን ካብ ከቢድ ሕማም ኮቪድ-19 ክትከላኸለሎም እትኽእል ዝበለጸ መገዲ ክታበታት ኢዮም። ብዛዕባ ንርእስኻ ዝእዘዘልካ ክታበታት እዋናዊ ሓበሬታ ይሃልውካ። ክንደይ ዓቐን መድሃኒት ክወሃበካ ኸም ዘለዎ ንምፍላጥ ምስ ሓኪም (GP) ተዘራረብ።

ኮቪድ-19 እንተ ነይሩካ እውን ክትክተብ ኣሎካ። ነቲ ናይ ክታበት ክሊኒክ መድለዪExternal Link ተጠቒምካ ንዝቕጽል ዓቐን ክታበት ኣብ እንዳ ሓኪም (GP) ወይ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዝርከብ ፋርማሲ ቆጸሮ ሓዝ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ኣብታ ናይ ኮቪድ-19 ክታበትExternal Link እትብል ርአ።

ጽሩይ ኣየር ንኽአቱ ግበር

ኮቪድ-19 ብኣየር እዩ እንዳተበተነ'ዩ ዝመሓላለፍ። ጽሩይ ኣየር ናብ ውሽጢ ገዛ ምእታው ነቲ ናይ ኮቪድ-19 ናይ ምምሕልላፍ ኣጋጣሚ ክንክዮ ይኽእል ኢዩ። ምስ ካልኦት ሰባት ኣብ ገዛ ክትእከብ ከለኻ መሳዅቲ ወይ መዓጹ ኽፈት። እንተ ዘይክኢልካ ተንቀሳቓሲ ናይ ኣየር መጻረዪ (HEPA filter) ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ፣ እዚ ኸኣ ንጥረ ነገራት ኤሮሶል ካብ ኣየር የልግስ እዩ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ኣብ ምንፋስ ኣየር (Ventilation)External Link ዝብል ርአ።

ካብ ኮቪድ-19 ምሕዋይ

ብዙሓት ሰባት ነቲ ሕማም ምትሕልላፍ ጠጠው ምስ ኣበሉ እውን ናይ ኮቪድ -19 ሕማም ይስምዖም እዩ። ብግቡእ ንኽትሓውይ ንኣካላትካ እቲ ዘድልዮ ኽንክንን ግዜን ንኽረክብ ፍቐደሉ።

ቅድሚ ቀጻሊ ዓቐን ክታበት ምውሳድካ እቲ ሕማም ምስ ተተሓዝካ ን3 ወርሒ ክትጸንሕ ኣሎካ። እዚ ኸኣ ካብቲ ቫይረስ እቲ ዝበለጸ ምክልኻል ክትረክብ የረጋግጽ።

ምስ ሓወኻ 4 ሰሙን ጸኒሑ ቐልጢፉ እንደገና ኮቪድ-19 ክሕዘካ ይኽእል ኢዩ። ሕማም ምስ ሓዘካ ድሕሪ 4 ሰሙን ወይ ካብኡ ንላዕሊ ምልክታት እንተ ሃልዩካ ክትምርመር ኣሎካ።

ነዊሕ ኮቪድ (Long COVID) ዝበሃል፣ ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ንልዕሊ 3 ወርሒ ክቕጽል ከሎ ኢዩ። ምልክታት ሕማምካ ንኽትቈጻጸሮ ክሕግዘካ ዝኽእል ወይ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ናብ ክኢላ ከመሓላልፈካ ዝኽእል ሓኪም (GP) ክትርኢ ኣሎካ።

ብዛዕባ ነዊሕ ኮቪድ (Long COVID)External Link ዝያዳ ሓበሬታ ርኸብ።

ምስ ዝሓመመ ሰብ ርክብ ዘለካ እንተ ዄይንካ

ምስ ሓደ ኮቪድ-19 ዘለዎ (ፖዘቲቭ) ዝኾነ ሰብ ኣብ ሓደ ገዛ ትነብር እንተ ዄይንካ ወይ ምስቲ ሰብ ጥቡቕ ርክብ እንተ ኔሩካ፣ ኣብ ብኮቪድ-19 ናይ ምልካፍ ሓደጋ ኢኻ ዘለኻ።

ምስ ሓደ ኮቪድ-19 ኣለዎ (ፖዘቲቭ) ዝብል ናይ ምርመራ ውጽኢት ዝረኸበ ሰብ ድሕሪ ምርኻብካ ነቲ ምልክታት ክትቈጻጸሮን ን7 መዓልቲ ኣዘውቲርካ ክትምርመርን ኣሎካ። ኣብዚ እዋን እዚ፣ ከምዚ ዝስዕብ ንኽትገብር ኣድላይ ኢዩ፦

  • ካብ ሆስፒታላት፣ ካብ ናይ ንኣረጋውያን መከናኸኒ መሳለጥያታት፣ ከምኡውን ካብ ኣገልግሎታት ጉዱኣት አካል ርሓቕ
  • ካብ ገዛ ኽትወጽእ ከለኻ፥ ከም ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያን፥ ኣብ ስራሕን ቤት ትምህርትን ዝኣመሰሉ ኣብ ውሽጢ ህንጻ ዘለዉ ቦታታ ት ማስኬራ ግበር።
  • ብዝተኻእለ መጠን መሳዅቲ ብምኽፋት ጽሩይ ኣየር ናብ ውሽጢ ገዛኻ ከም ዝኣቱ ግበር

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ዝርዝር መዘኻኸሪ ርክብ ዘለዎምExternal Link ኣብ ዝብል ርአ።

Reviewed 09 December 2022

Coronavirus Hotline

Call the Coronavirus Hotline if you have any questions about COVID-19.

The Victorian Coronavirus Hotline diverts to the National Coronavirus Helpline every night between 4pm and 9am.

Please keep Triple Zero (000) for emergencies only.

Was this page helpful?